መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን

ካብ ጥሪ 7-2021 ጀሚሩ ኣብ ኩላ ሃገር፡ ኣብ ህዝባዊ መጎዓዝያ፡ ኣብ መዓልታት ስራሕ፡ ካብ ሰዓት 7-9 ከምኡውን ካብ ሰዓት 16-18 ኣብ ዚካየዱ ጕዕዞታት ናይ ኣፍን ኣፍንጫን መሸፈኒ ምግባር ተሓቢሩ ኣሎ። ይኹንምበር፡ በዓልመዚ ህዝባዊ ጥዕና፡ ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ኣብቲ ማሕበረሰብ ሰፊሕ ዝውተራ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ከም መምርሒ ኣይተኣታተወን።

ID115

መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ኣብ ህዝባዊ መጎዓዝያ

በዓልመዚ ህዝባዊ ጥዕና ንተጎዓዝቲ ኣብ ህዝባዊ መጓዓዝያ ናይ ኣፍን ኣፍንጫን መሸፈቲ ኪገብሩ ይመክር። እቲ መምርሒ ካብ ጥሪ 7-2021 ይጅምር፡ ነቶም ኣብ 2004ን ድሕሪኡን እተወልዱ ሰባት ድማ ይምልከት፡ ማለት ነቶም ኣብ ናይ 2ይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ዕድመ ዘለዉን ካብኡ ንላዕልን። 

እቶም ኣብ ህዝባዊ መጎዓዝያ፡ ናይ ቦታ/ኮፍ መበሊ ምዝገባ ብምግባር ርሕቀቶም ኪሕልዉ ዘይክእሉ፡ ኣብ ናይ ስራሕ መዓልታት፡ ካብ ሰዓት 7-9 ከምኡውን ካብ ሰዓት 16-18 ማለት ኣብቲ ብዙሓት ሰባት ዚጓዓዙሉ እዋናት፡ ናይ ኣፍን ኣፍንጫን መሸፈኒ ኪገብሩ ይሕበሩ ኣለዉ። 

ID109

ትኽክለኛ ዓይነት መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን

ናይ ኣፍን ኣፍንጫን መሸፈኒ ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ኣዚዩ ጠቓሚ እዩ፡ ንኣብነት ኣብ ሓደ ጽቕጥቅጥ ወይ ምትንኻፋት ዝበዝሖ ቦታ ንብዙሕ እዋን ክትጸንሕ ከሎኻ። ክትገይሽ ከሎኻ'ውን ጠቓሚ እዩ፡ ንኣብነት ኣብ ናይ ኤርፖርት መጸበዪን ኣብ ውሽጢ ነፋሪትን።

ናይ ኣፍን ኣፍንጫን መሸፈኒ ክትገብር ከሎኻ፡ ካብቲ ብቑዕ ዓይነት ማለት ናይ CE  ምልክት ዘለዎ ይኹን። ብትኽክል መገዲ ክትወድዮ ወይ ክትገብሮ ድማ ኣገዳሲ ኢዩ።

ናይ በዓልመዚ ህዝባዊ ጥዕና ሓበሬታ ብዛዕባ ምጥቃም መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን  (እቲ ገጽ ብቛንቋ ሽወደን እዩ)

ኣብ ዕዳጋ፡ እተፈላለየ ናይ ኣፍን ኣፍንጫን መከላኸሊ ኣሎ። እቶም ንለበዳ ንምክልኻል ብቕዓት ከም ዘለዎም እተፈተኑ፡ እቶም ሙንኺድን ኣንድኒንኺድን ዚብሃሉ ናይ ኣፍን ኣፍንጫን፡ ከምኡውን ናይ ምስትንፋስ ተኸላኸልቲ እዮም። ናይዞም እተፈላለዩ ፍርያት ናይ ዝውተራ ኣገባብ ይፈላለ እዩ። ኣብቲ ናይ ትካል ፍርያት መድሃኒት ወብሳይት፡ ኣየናይ ከም ዘገልግል ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ናይ ኣፍን ኣፍንጫን መከላኸሊ ወይ መሸፈኒ ከም ሕክምናዊ ተክኒካዊ ፍርያት እዩ ዚቝጸር፡ ስለዚ ናይ CE-ናይ ዓይነት ምልክት ኪህሉዎ ይግባእ። ስለዚ ኣብቲ መጠቕለሊኡ ብቛንቋ ሽወደን እተጻሕፈ ናይ ኣጠቓቕማ መምርሒን ሓበሬታን እውን ኪህሉዎ ይግባእ። 

ID110

ናይ ኣፍን ኣፍንጫን  መሸፈኒ፡ ብኸምዚ መገዲ ይሰርሕ

  • ናይ ኣፍን ኣፍንጫን መሸፈኒ ዕላማ፡ ነቲ ካብ ኣዘውታሪ ናብቲ ኣከባቢ ዚፍጸም ምስፍሕፋሕ ለበዳ ንምቕናስ እዩ።
  • ብስርዓት ንኺሰርሕን ውሑስ ምክልኻል ንኺህብን፡ ብመሰረት በቲ ምስኡ ዚጸንሕ ኣገባብ ኣጠቓቕማ ኪዝውተር ይግባእ።
  • መብዛሕትኡ እዋን፡ ናይ ኣፍን ኣፍንጫን መሸፈኒ ንሓደ ግዜ እዩ ዚዝውተር፡ ዓሰርተሳዕ ንኸተእትዎን ንኸተውጻኦን ኣይኮነን ተሰሪሑ።
  • ዝበዝሕ ግዜ ሕብሩ ናብ ጻዕዳ ዚጽጋዕ ሰማያዊ እዩ። ተዓጻፍን ኣብ ኣእዛን ዚእሰር ቀለቤታዊ መእሰሪ ዘለዎን እዩ።
  • ቅድምን ድሕርን ናይ ኣፍን ኣፍንጫን መሸፈኒ ምጥቓምካ፡ ኣእዳውካ ብስርዓት ተሓጸብ።
  • ነቲ ናይ ኣፍን ኣፍንጫን መሸፈኒ ምስ ካልእ ሰብ ኣይትካፈሎ።

ናይ ምስትንፋስ መከላኸሊ

ናይ ምስትንፋስ መከላኸሊ ነቲ ዘዘውትሮ ሰብ ይከላኸለሉ። እቲ መከላኸሊ ናይ CE -ምልክትን ኣብ ጥቓኡ ድማ ኣርባዕተ ኣሃዛት ኣለዎ፡ በዘን ዚስዕባ ምልክታት ድማ ይልለ፥ FFP1, FFP2 ወይ FFP3። ናይ ምስትንፋስ መከላኸሊ ከም ውልቃዊ መጋበርያ እዩ ዚቝጸር፡

ናይ ገጽ ማስኬራ

ብዙሓት ናይ ኤውሮጳዊ ሕብረት ሃገራት ነቲ ኣፍን ኣፍንጫን ዚሽፍን መከላኸሊ እየን ኪዝውተር ዝመኽራ። ናይ CE-ምልክት ዘይብሉ ናይ ሕክምናዊ ተክኒካዊ ፍርያት ማስከራ፡ ከምኡውን ብሕታዊ ናይ መከላኸሊ መጋበርያ፡ ልሙድ እዩ። ዝበዝሕ ግዜ ብጨርቅን ሲንተቲክ ዓለባን እዩ ዚስራሕ ግን ብወረቐት-መሳሊ ነገራት ዚስርሑ ናይ ኣፍ መሸፈኒ እውን ኣለዉ። ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ነዚኣቶም በቲ ማሕበረሰብ ንምዝውታሮም ከም ምኽሪ ይወሃብ እዩ። ሽወደን፡ ካብ ካልኦት ሃገራት ብእተፈልየ መገዲ፡ ንኸምዚ ዓይነት ማስከራ ዚምልከት ናይ ፍርያት ሕጊ የብላን።

ID111

ንኻልኦት ምኽርታት መወሰኽታ ጥራይ

ብመሰረት በዓልመዚ ህዝባዊ ጥዕና፡ ናይ ኣፍን ኣፍንጫን መሸፈኒ ንበይኑ ዘይኮነስ ምስ ካልኦት ኪውሰዱ ዘለዎም ስጉምትታት ብሓደ ኮይኑ እዩ ንምስፍሕፋሕ ለበዳ ዚቕንስ። ነቲ ናይ ኮቪድ-19 ዝርጋሐ ንምዕጋት ካልኦት መምርሒታት ምኽታል እውን ኣድላዪ እዩ፥

  • ምልክት ምስ ዚረኣየካ ኣብ ገዛ ጽናሕ
  • ናይ ኣእዳው ብቑዕ ንጽህና ይሃሉኻ
  • ኣብ ገዛን ኣብ ደገን ኣካላዊ ርሕቀትካ ሓሉ
Uppdaterades